ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንበዓል መስቀል ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንበዓል መስቀል ናይ እንቋዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ በዓል መስቀል ዳመራ ኣብ ሀዝቢ ልዑል ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓል ኢዩ ኢሉ።

እቲ ክብረ በዓል ኢትዮጵያ ኣብ ዩኔስኮ ካብ ዘመዝገበቶም ዘይድህሰሱ ብሄራዊ ቅርስታት ብቐዳምነት ዝርቋሕ ከምዝኾነ ገሊፁ።

በዓል መስቀል ኣብ ኢትዮጵያ እንትኽበር ካብ ሃይማኖታዊ ስርዓትን ኣምልኾን ብተወሳኺ ንዜጋታት ማሕበራዊ ዘምድነኦም ኣብ ምጥንኻር፣ ንኢትዮጵያ ምዕባለን እወንታዊ ህንፀት ገፅታን ስፍራታት ቱሪስት ዘለዎ ኣበርክቶ ልዑል ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ናይ ሎሚ ዘበን በዓል ዳመራ ብድሙቕ ስነ ስርዓት ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ሰርዓታትን ክብሩ ሓሊዩን ብሰላምን ሓድነትን ንክኽበር ኩሉ ግድኡ ክዋፃእ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

Comments (0)
Add Comment