ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብቅትለት ኣይተ ግርማ የሺጥላ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብቅትለት ኣይተግርማ የሺጥላ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

ኣይተ ግርማ የሺጥላ÷ “ማዕርነትን ማሕበራዊ ፍትሒን ዝነገሰላ ጥንክርቲ ህብረብሄራዊት ኢትዮጵያ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ርብርብ ዝተውሃቦም ዓብዪ ህዝባዊ፣ ውድባዊን መንግስታዊን ሓላፊነት ብሙሉእ ልቢ፣ ብትግሃትን ብስምዒት ሓላፊነትን ዝተዋፅ ኢዮም ኢሉ” እቲ ባይቶ፡፡

“ኣይተ ግርማ የሺጥላ ፈታዊ ሃገር፣ ንቑሕን ቆራፅን ኣመራርሓ ፖለቲካ ከምዝነበሩ ብምግላፅ፤ ንሃገርን ወገንን ክብሉ ሙሉእ ግዜኦም ኣብ መወዳእታ ድማ ዘይትትካእ ህይወቶም ሰዊኦም” ኢሉ፡፡

እቲ ባይቶ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ግርማ የሺጥላን ውልቀ ሓለውቶምን ብዝበፅሐ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ÷ ንሞት እቶም ወገናት ምኽንያት ዝኾነ መሕፈሪ ፅንፈኛ ተግባር ብፅኑዕ ኮኒኑ፡፡

ንስድረኦም፣ ነዘመድ ኣዝማድን ንመሳርሕቶምን ፅንዓት ተመኒዩ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment