ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመንፈስ ቅንዕና ብሓባር ንኽንሰርሕ ክቆፃፀርናን ክሕግዘናን ንደሊ ኢና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 መስከረም፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብመንፈስ ቅንዕና ብሓባር ንኽንሰርሕ ክቆፃፀርናን ክሕግዘናን ንደሊ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቲቶም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ስልጣንን ተግባርን ኣፈፀምቲ ኣካላት ንምውሳን ኣብ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኢዮም እቲ ባይቶ ምቁፅፃርን ምትሕብባርን ክገብ ከምዝግባእ ዝገለፁ፡፡

ኣብ ውሽጢ ሓላፍነት መንግስቲ ምርድዳእ ዘይብፀሐሎም ጉዳያት ብዙሓት ከምዝኾኑ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ “ኣብ ከይዲ እናተመሃሃርናን እናተመሓየሽናን እንተዘይከይድና ኩሉ ብሓደ ግዘ ምምላስ ኣይከኣልን” ኢሎም፡፡

ከም ኣወዳድባ መንግስቲ ዘለና ፀገም ስብራት ስርዓት ከምዝኾነን ሙያዊ ዝኾነ ኣወዳድባ ስለዘድለየን እዚ ፀገም ብምእማን ነዚ ምስትኽኻል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ክልላት ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ፌዴራል ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ፥ ሕገ-መንግስቲ መሰረት ብምግባርን ብምኽባርን ዝሳለጥ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ስግኣት ፀፅታ ንምምካት ብዘላቒነት ምስራሕ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment