ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሕልፈት ወ/ሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ብሕልፈት ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ።

እቲ ባይቶ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ሓዘን፥ ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ንሰለስተ ዘበናት እቲ ባይቶ ማለት እውን ካብ 1988-2002 ዓ.ም ኣባልን ሓጋዚት ተፀዋዒት መንግስቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ብምዃን ኣገልጊለን ኢየን ኢሉ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብሕልፈት ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው ዝተሰመዖ ሓዘን ብምግላፅ፥ ንመላእ ስድራ ቤተን፣ ፈተውተንን ኣዝማደንን ፅንዓት ተመንዩ።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ኣብ ዝተፈላለዩ ሓላፊነት ስራሕ መንግስቲን ኮይነን ንህዝብን ሃገርን ዘገልገላ ወይዘሮ ነፃነት ኣስፋው፥ ብዝሓደረን ሕማም ሕክምናዊ ሓገዝ ክግበረለን ድሕሪ ምፅናሕ ትማሊ ዕለት 30 ለካቲት 2012 ዓ/ም ካብዚ ዓለም ብሞት ተፈልየን ኢየን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment