ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸብሉ መበል ሻድሻይ፣ ካልኣይ ዓመት ዘበን ስራሕ፣ መበል 28 ስሩዕ ኣኼብኡ ኣሳሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብቲ ጉባኤ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣባላት እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2016ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዓልዎም ሕቶታትን ዝተውሃቡ ርእይቶታትን ብዝምልከት ምላሽ ሂቦም።
እቲ ባጀት ሸቶታት መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ተሓሳቢ ዝገበረ፣ ድሕንነት ሃገር ኣብ ምሕላው፣ ብሰብ ስራሕ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ዝተመዛበሉ ሰባት ኣብ ምሕጋዝ፣ ኣብ እዋን ምኽባር ሕጊ ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ኣብ ምፅጋን ተሓሳቢ ዝገበረ ኢዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ቀፃሊ ክህሉ ዝኽእል ዕላማታትን ኣንፈታትን ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ትራንስፎርሜሽን ኣብ ምዕዋት ዝተርኣየ ከምዝኾነን ካብ 2016 ክሳብ 2020 ዝህሉ ናይ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊስካል ማዕቐፍን መሰረት ብምግባር ተሰናዲኡ ዝቐረበ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ብመሰረት እዚ ንበጀት ዓመት 2016 ዓ.ም፥ ንፌዴራል መንግስቲ ስሩዕ ወፃኢታት ብር 369 ነጥቢ 6 ቢሊየን፣ ንካፒታል ወፃኢታት ብር 203 ነጥቢ 9 ቢሊየን፣ ንክልላት ዝወሃብ ደገፍ ብር 214 ነጥቢ 07 ቢሊየን፣ ንደገፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት ብር 14 ቢሊየን ኢዩ።።
እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ጉባኤኡ፥ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2016 ዓ.ም ብር 801 ነጥቢ 65 ቢሊየን ንክኸውን ውሳነ ቁፅሪ 1297/2015 ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።