ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ም 561 ነጥቢ 7 ቢሊየን ብር ንክኸውን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  መበል ሓምሻይ ዘበን ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ፍሉይ ኣኼብኡ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ ፍሉይ ኣኼባ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ እቲ ባይቶ በጀት መንግስቲ ፌዴራል ዓመተ 2014ንን ሓፈሻዊ እዋናዊ ኩነታት እዛ ሃገርን ብዝምልከት ዘልዕሎም ሕቶታትን ዝህቦም ርእይቶታትን ምላሽ ሂቦም።

ብመሰረት እዚ በጀት መፍረያይነት ንምዕባይ ዝሕግዝን ምስ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመት ዝተጠዓዓመ ከምዝኾነን ገሊፆም።

እቲ በጀት ኣብ 2014 ዓ.ም ንዝሳለጡ ስራሕቲን ኣገልግሎትን ዝውዕል ንስሩዕን ወፃኢታትን መንግስቲ ፌዴራል 162 ቢሊየን ብር፣ ንካፒታል በጀት 183 ነጥቢ 5 ብር፣ ንክልላት ዝወሃብ ድጋፍ 203 ነጥቢ 95 ቢሊየን ብር፣ ንድጋፍ መፈፀሚ ሸቶታት ዘላቒ ልምዓት 12 ቢሊየን ብር ብድምር 561 ነጥቢ 67 ቢሊየንን ንክኸውን ዝቐረበ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ባይቶ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼቡኡ፥ ኣብቲ በጀት ብዕምቆት ብምዝታይን ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርኢቶታትን ድሕሪ ምቕራብን በጀት 2014 ዓ.ም 561 ነጥቢ 67 ቢሊየን ንክኸውን ኣፅዲቑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment