ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢፌዴሪ በዓል ሓዱሽ ዓመት ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባይቶ ዝመፅእ ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቱ ኣብ ዘመሓላለፎ ኣብ መልእኽቲ÷ 6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ 2016 ዓ.ም ዝወገኖም ቁልፊ ሕገ መንግስታዊ ተግባራት፤ ኣብ ኣወፃፅኣ ሕጊ፣ ክትትልን ቁፅፅርን ኣብ ስራሕቲ ውክልና ንማሕበራዊ፣ ኢኮኖሚ ልምዓት ምስፍሕፋሕ፣ ንምርግጋፅ ሰላምን ምዕባለን ሃገር መሰረት ኢዮም ዝተብሃሉ ጉዳያት ብዕምቆት መርሚሩ ውሳነታት ብምትሕልላፍ ተግባራዊ ክኾኑ ከምዝተገበሩ ኣፍሊጡ፡፡

ኣብ መዳይ ዲፕሎማሲ ፓርላማ መምርሒታት ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ብምኽታል ሓቀኛ ምስሊ ሃገር ንወፃኢ ዓለም ምፍላጥን ኢኮኖሚያዊ ዲፕሎማሲ ንምድጋፍን ዘኽእሉ ውፅኢታዊ ውሳነታት አሕሊፉ ኢዩ፡፡

6ይ ቤት ምኽሪ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሑ ዛዚሙ ሕዚ ኣብ 2017 ዓ.ም ሓዱሽ ዓመት 4ይ ዓመት ዘበን ስርሑ ብዕሊ ንምጅማር ኣብ ምድላው ከምዝርከብ እውን ገሊፁ፡፡

2017 ሓዱሽ ዓመት ናይ ሰላም፣ ጥዕና፣ ሓድነትን ምዕባለን ዘበን ንኽኸውን ዝተመነየ እቲ ባይቶ÷ “ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ንሰላም፣ ልምዓት፣ ብሄራዊ ረብሓን ክብሪን ሃገር ብሓባር ብምዃን ብሓድነት ጠጠው ንበል” ክብል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment