ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ በዓል ልደት ምኽንያት ብምግባር መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ በዓል ልደት ኢየሱስ ክርስቶስ ምኽንያት ብምግባር ንመላእ ተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፉ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ÷ ዝተረኸበ ሰላም ብምሕላው ኢኮኖሚ ምድንፋዕን ሕብረ ብሄራዊ ሓድነት ምጥንኻርን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

በዓል ልደት እንትነኽብር ኣስተምህሮ ሃይማኖት ክርስትና ብምትግባርን ባህለዊ ክብሪታት ምትሕግጋዝን ብምጥንካር፤ ዝሰኣኑን ዝተፀገሙን ወገናት ብምሕጋዝ፣ ዓቕመ ደካማታት ብምሕሳን ብምክንኻንን ክኸውን ይግባእ” ኢሉ፡፡

ኩሉ ዜጋ ዘብዒ ሰላም ኮይኑ ጠጠው ክብል ከምዝግባእ እቲ ባይቶ ኣብ መልእኽቱ ኣገንዚቡ፡፡

እቲ ስምምዕነት ሰላም ናብ ትግበራ ምዕራፍ ተሰጋጊሩ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት እናተመዝገበሉ ከምዝኾነ ዝገለፀ እቲ ባይቶ÷ ፃዕሪ ሰላም ብዘተኣማምን መልክዑ ተግባራዊ ንኽኸውን ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ዝከኣሎም ግደ ንኽዋፅኡ ኣተሓሳሲቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment