ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽመት 16 ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሽመት 16 ሕፁያት ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣፅዲቑ።

6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 16 ስሩዕ ኣኼባ እናተኻየደ እንትኸውን÷ ኣብቲ ኣኼባ ድማ ኣብ ኣቢያተ ፍርዲ ስርዓት ዳይነት ንምምሕያሽን ንምዝማንን ሽመት ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል መርሚሩ ኣፅዲቑ፡፡

ኣባላት እቲ ባይቶ ሽመት ዳያኑ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ ሓሳብ ስርዓት ዳይነት ሃገር ክመስል ከምዘለዎ ብምግላፅ÷ ዳይነት ናፅነት ንኽህልዎ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዳያኑ ንሽመት እንትምልመሉ ፈተናታት ከምዝወሰዱ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ኣመራርፅኡ እውን ኢትዮጵያ ክመስል ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ሽመት ዝፀደቐሎም ዳያኑ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል፤ ሃገርን ህዝቢን ንምግልጋል ቃለ ማሕላ ፈፂሞም፡፡

እቲ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብዚ ብተወሳኺ÷ ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ዕድጊት ንብረት መንግስቲን ምምሕዳርን ኣመልኪቱ ዝቐረበ ፀብፃን ውሳነ ሓሳብን ከምኡ እውን ኣብ ረቂቕ ደምቢ መመሓደሪ ሰራሕተኛታት በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ብዝምልከት ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብን ብምርማር ከምዘፅድቕ ትፅቢት ይግበር፡፡

ብየሻምበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment