ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሹመት 5 ሚኒስትራት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ፌዴሪኢ ሎሚ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ ስሩዕ ኣኼብኡ ህዝቢ ሹመት ሓሙሽተ ሚኒስትራት ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቶም ሹመኛታት፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጤሞቲዎስ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ፍትሒ ሃና ኣርኣያ ስላሴ፣ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ዝምድናን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ቱሪዝም  ሰላማዊት ካሳን ሚኒስትር ባህልን ስፖርትን ሸዊት ሻንካ ኢዮም።

እቲ ባይቶ፥ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ 27 መስከረም 2017 ዓ.ም ኣብ ሓበራዊ ኣኼባ ክልቲአን ኣብያተ ምኽሪ ዝገበርዎ መኽፈቲ መደረ ጠሚቱ ዝቐረበ ናይ ድጋፍ ሞሽን ድሕሪ ምድማፁ ኣፅዲቑ።

ብየሻምበል ምህረትን ኣለምሰገድ ኣሳዬን

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment