ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ስሩዕ ኣኼቡኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ይሳለጥ ኣሎ።

ኣብቲ ስሩዕ ኣኼባ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ደ/ር) ብፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ 28 መስከረም 2016 ዓ.ም ናባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ዘቕረበኦ መኽፈቲ መደረ ዓመታዊ ትልሚ መንግስቲ ፌደራል ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ንዝቐረቡሎም ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ክህቡ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣባላት እቲ ባይቶ ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ሕቶታት እናቕረቡ ይርከቡ።

ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ሞንጎ ዝቐረቡ ሕቶታት፡-

  • ኣብ ክልል ክልል ኣምሓራ ምስ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ተተሓሒዙ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምርግጋፅ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?
  • ዘይምርድዳኣት ናብ ጎንፂ ቅድሚ ምእታዎም ድልዉነት መንግስቲ ብኸመይ ይግለፅ?
  • ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ኣብ ምምካት እናተሰርሐ ዝርከብ ነገር እንታይ ኢዩ?
  • ዝተጀመሩ ፕሮጀክታት ኣብ ምዝዛምን ሓደሽቲ ብምጅማርን ሕቶ ህዝቢ ንምምላስ ብወገን መንግስቲ እንታይ ይስራሕ ኣሎ?
  • ከም ሃገር ምስ ዘሎ ጠለብ ወደብ ባሕሪ ተተሓሒዙ ሓደሓደ ምድንጋራት ስለዘለዉ ግልፂ ንምግባር ዘኣክል መብርሂ እንተዝወሃብ፣
  • ብሓፈሻ ቃልሲ ፀረ-ሌብነት ኣብ ምጥንኻር ብፍላይ ሓደሓደ ብልሹዋት ኣሰራርሓታት ዘቃልዑ ዓውዲታት ካብ ስርቂ ብዝነፅሀ ኩነታት ግልጋሎታት ክህወሃቡ ንምግባር ከም መንግስቲ ዘሎ ቆራፅነት እንተዝግለፅ፣
  • ንዕዉትነት ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር መንግስታዊ ሓገዝ እንተ ዝፅራሕ፣
  • ኣፈፃፅማ ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ኣብምንታይ ብርኪ ይርከብ ዝብሉን ካልኦትን መልሲን መብርሂን የድልዮም ዝበሉዎም ሕቶታት ብኣባላት እቲ ባይቶ እናቐረቡ ይርከቡ።

እቲ ባይቶ ምላሽን መብርሂን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ሰምዐ ናይ ድጋፍ ሞሽን ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment