ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣዋጅ ምምሕዳርን ቁፅፅርን መሳርሒታት ኲናት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓምሻይ ዓመት ዘመን ስራሕ ታሽዓይ ስሩዕ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌደሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣሳሊጡ።

ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ከምኡ እውን ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ምምሕዳርን ምቁፅፃርን መሳርሒታት ኲናት ኣድሂቦም ዘቕርቡዎ ፀብፃብን ውሳነ ሓሳብን ተመልኪቱ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ምቁፅፃር መሳርሒታት ኲናት ሰላምን ፀፅታን ህዝቢን ሃገርን ንምሕላው ከምኡ እውን መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ምኽባር ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ ግንዛበ ብምእታው ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ፥ ውልቀ ሰባት ዝተዓጠቑዎም መሳርሒታት ኲናት ሰላምን ድሕንነትን ሕብረተሰብ ኣብ ምሕላ ክውዕሉ ዝኽእሉሉ ዕድል ምፍጣር ኣድላዪ ብምዃኑ ከምዝተሰናድአ ተሓቢሩ።

ኣብ ስራሕ ዘለዉ ሕጊታትን ኣሰራርሓታትን ዘይተፈተሹ ጉዳያት ብዝርዝር ሕጊ ምድንጋግን ቀፃልነት ዘለዎ ስርዓት ምፍጣር ስለዘድሊን ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ መሳርሒታት ኲናት ብዝምልከት ዘፅደቐቶም ዓለም ለኸ ስምምዓት ንምፍፃምን ዓለም ለኸ ምትሕብባር ምግባር ዘኽእል ስነ ስርዓት ምዝርጋሕ ኣድላዪ ስለዝኾነ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ምስንድኡ ተገሊፁ።

እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተቐመጡ ድንጋገታት ዝኾነ ዓይነት መሳርሒ ኲናት፣ በዝሒ ዘለዎም ሓደጋ ከብፅሑ ዝኽእሉ በላሕቲ ነገራትን ተተሓሓዝነት ዘለዎም መሳርሒታትን ኣካቲቱ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ካብ ፍቓድ ወፃኢ መሳርሒታት ኲናት፣ ጉድኣት ከብፅሕ ዝኽእል ኣቕሓ፣ መነፀር ዓውደ ኲናት፣ ኣብ መሳርሒታት ኲነት ክግጠም ዝኽእል ዝኾነ ዓይነት መነፀር ናብ ውሽጢ ሃገር ምእታው፣ ካብ ሃገር ምውፃእ፣ ምሓዝ፣ ምኽዛን፣ ምጥቃም፣ ምርኣይ፣ ምድላል፣ ምሻጥ፣ ምግዛእ፣ ምምሕልላፍ፣ ምዝውዋር፣ ምጉዕዓዝ፣ ምፍራይ፣ ምስልጣንን ምውጋድን ዝተኸልከለ ኢዩ።

ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ፥ ከም ሻንጃ፣ ገጀራ፣ ሼንጢ፣ መንብዒ ትኪን ኬሚካልን ንሕብረተሰብ ሓደጋ ኣብ ዝኾነ ኩነታት ምጥቃምን ብበዝሒ ሒዝካ ምርካብን ኽልከላ ተቐሚጡሉ ኢዩ።

ፍቓድ ኣብ ዝተውሃቦም መሳርሒታት ኲናት መፍለዪ ምልክት ዘለዎ ወይ ድማ ክህልዎ ይግባእ ዝብል እውን ኣብቲ ረቂቕ ኣዋጅ ዝተደንገገ እንትኸውን፥ እቲ መሳርሒ ኣምራቲ እንተዘይሃሊዩዎ ድማ ብተቖፃፃሪ ኣካል መፍለዪ ንሕህልዎ ክግበር ኢዩ።

ፍቓድ ናይ ምርካብ እገዳ ዝተገበረሎም ትካላት ድማ፥ ፓርቲታት ፖለቲካ፣ ትካላት ሃይማኖትን እምነትን፣ ትካላት ገበርቲ ሰናይ ማሕበራት ከምኢ እውን ትካላት ትምህርቲን ኢዮም።

እቲ ኣዋጅ ተሓታታይነት ገበን እውን ዘቐመጠ እንትኸውን፥ ዝኾነ ይኹን ሰብ በቲ ኣዋጅ ዝተቐመጠ ኽልከላን ግቡእን ተመሓላሊፉ ዝተረኸበን ፍቓድ ዘይብሉ መሳርሒታት ዘቐመጠ፣ ዝሓዘ፣ ዘፍረየ፣ ካብ ሃግረ ዘውፀአን ዘእተወን ካልኦት ተመሳሰልቲ ኽልከላታት ዝተሓላለፈ ክሳብ 3 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን ክሳብ ብር 10 ሺሕን ክቐፃዕ ይኽእል።

ኣብቲ ዓንቀፅ ዝተዘርዘሩ ብበዝሒ መሳርሒታት ኲናት ሒዙ ዝፈፀመ እንተኾይኑ ድማ፥ ክሳብ 15 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲን 100 ሺሕ ዝበፅሕ ቅፅዓት ገንዘብን ከምዝብየነሉ ተሓቢሩ።

ተሓታትነት ገበን እቲ ረቂቕ ኣዋጅ በቢብርኩ ብዝርዝር ተቐሚጡ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ እቲ ረቂቕ ኣዋጅ ብ2 ተቓውሞ፣ 4 ድምፀ ተኣቅቦን ብኣብዝሓ ድምፂን ፀዲቑ ኣሎ።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ስሩዕ ኣኼብኡ፥ ረቂቕ ኣዋጅ መመሓደሪ ዳይነት ፌዴራልን ረቂቕ ኣዋጅ ኣብያተ ፍርዲ ፌዴራልን ብዕምቆት ብምምርማር ብዝርዝር ንኽረአ ብሙሉእ ድምፂ ናብ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን  መሪሑ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment