ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝተገለፁ ሰለስተ ዓንቀፃት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጦ መበል ሳልሳይ ስሩዕ ኣኼብኡ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝተገለፁ ሰለስተ ዓንቀፃት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ኣኼብኡ ዘሳለጠ እንትኸውን፥ ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ኣብ መበል ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ኣድሂቡ ዘቕረቦም ኣማራፂታት ብዝምልከት በቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዝተውሃቡ መፍትሒ ሓሳባት ከምኡ እውን ስምምዕነታት ልቓሕ ተዛቲዩ።

ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን መረፃ ኣይተ ኣበበ ጌዴቦ ፀብፃብ መፍትሕታትን ውሳነ ሓሳብን ብዝምልከት ናብቲ ባይቶ ኣቕሪቦም።

ብመሰራት እዚ ምርፀጫ ብዝምልከት ኣብ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዘለዉ ዓንቀፅ 54/1፣ ዓንቀፅ 58/3 ከምኡ እውን ዓንቀፅ 93 ብዝምልከት ምስ ዕላማታት፣ ሸቶታትን መሰረታዊ መርሆታትን እቲ ሕገ መንግስቲ ብምዝማድ ትርጉም ንክወሃቦም ዝብል ሕገ መንግስታዊ መፍትሒ ሓሳባት ከምዝቐረ ተገሊፁ።

ኣባላት እቲ ባይቶ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ርእይቶታትን ዝሃቡ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ውሳነ ሓሳብ ንምንታይ ካልኦት ፓርቲታት ፖለቲካ ዘይተሳተፉ? ኣብቲ ሕገ መንግስቲ ብዛዕባ ምርጫ ዝተቐመጠ ውሳነ ንምንታይ ትርጉም ሕገ መንግስቲ ኣድሊዩዎ? ዝብሉ ሕቶታት ከምዘቕረቡ ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ትርጉም ሕገ መንግስቲ መሰረት ብምግባር ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ግቡእ ከምዝኾነ ርእቶ ተዋሂቡ።

ቅድመ ሐዚ ህዝቢ ዘይኣመነሎም ኣዋጃትን ምምሕያሻት ሕገ መንግስቲን ይካየዱ ከምዝነበሩ ዘዘኻኸሩ ኣባል እቲ ባይቶ ኣይተ ተስፋዬ ዳባ፥ ሕገ መንግስቲ መሰረት ገይሩ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ምቅዋም ኣግባብነት ኣይብሉን ኢሎም።

ብመሰረት ዓንቀፅ 102 ምርጫ ምክያድ ስልጣንን ተግባርን መንግስቲ ፌዴራልን ቦርድ ምርጫን ምዃኑ ብምሕባር፥ እቲ ቦርድ ምርጫ ንምንዋሕ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ ግቡእን ሕገ መንግስታዊን ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ወፃእ ዝግበር ምንቅስቓስ ድማ ኢ-ሕገ መንግስታዊ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ፥ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ሕጊ፣ ፍትሒን ዴሞክራሲን መረፃ ብዝምልከት ኣብ ዝተገለፁ ሰለስተ ዓንቀፃት ትርጉም ሕገ መንግስቲ ንክወሃብ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ብ25 ተቓውሞ ብኣብዝሓ ድጋፍ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment