ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሽመት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ ) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ፍሉይ ኣኼባ ሽመት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

እቲ ባይቶ ዝርዝር ሽም እቶም ሕፁያት ኮሚሽነራት ንርእይቶ ህዝቢ ዓሊሙ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።

እቲ ዝተረኸበ እታዎት ድሕሪ ምርኣይ ነቲ መዐቀኒ ብልዑል ደረጃ ዘማልኡ ሕፁያት ኮሚሽነራት ብምምራፅ ንክሽየሙ ናብቲ ባይቶ ቀሪቦም።

ስለዝኾነ ድማ ሽመት እቶም ኮሚሽነራት ብሓሙሽተ ድምፀ ተኣቅቦ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ፕሮፌሰር መስፍን ኣርዓያ
  2. ወይዘሮ ሂሩት ገብረስላሴ
  3. ዶክተር ተገኘወርቅ ጌቱ
  4. ኣምባሳደር ዶክተር ኣይሮሪት መሓመድ
  5. ወይዘሮ ብሌን ገብረመድህን
  6. ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ
  7. ኣይተ ዘገየ ኣስፋው
  8. ኣይተ መላኩ ወልደማሪያም
  9. ኣምባሳደር መሓሙድ ድሪር
  10. ኣይተ ሙሉጌታ ኣጎ
  11. ዶክተር ኣምባዬ ኦጋቶ ኮሚሽነራት ሃገራዊ ምኽክር ብምዃን ተሾይሞም ኣለዉ።

ብሃይለየሱስ ስዩም

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment