ባይቶ ክልል ሲዳማ በጀት ዓመተ 2013 ዓ.ም ብር 10 ነጥቢ 7 ቢሊየን ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ክልል ሲዳማ በጀት ዓመተ 2013 ዓ.ም እቲ ክልል ብር 10 ነጥቢ 7 ቢሊየን ንኽኸውን ዝቐረበሉ ውሳነ ሓሳብ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ባይቶ ክልል ሲዳማ፥ 1ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 1ይ ስሩዕ ጉባኤኡ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሃዋሳ እናሳለጠ ይርከብ።

እቲ ዘፅደቖ በጀት ካብ ፌዴራልን ካብ ውሽጢን ብዝርከብ ኣታዊ ዝሽፈን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ 10ይ ክልል ብምዃን ዝተወደበ ባይቶ ክልል ሲዳማ፥ ፈላማይ ጉባኤኡ ኢዩ ዘሳልጥ ዘሎ።

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝዛዘም ጉባኤ እቲ ባይቶ፥ ኣብ ዙርያ ትልሚ 2013 ዓ.ም ኣቢያተ ዕዮ ዋና ኦዲተርን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ከምዝዝቲን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣዋጃትን ሽመታትን ውሳነ ከመሓላልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment