ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ዓፋር 5ይ ዓመት ዘበን ስራሕ መበል 10 ስሩዕ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣወል ኣርባ፥ ፀብፃብ ኣፈፃፅማ ትልሚ በጀት ዓመት 2012 ዓ.ም ኣቕሪቦም።

ኣብ ፀብፃቦም ድማ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ብዘፈር ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ንሰበኽ ሳግም ማሕበረሰብተረባህቲ ዝገበሩ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ኣመልኪቶም።

ኣብቲ ክልል ኣብ መዳይ ምዕሳል ሰላም ዝነኣዱ ስራሕቲ ከምዝተተግበሩ እውን ገሊፆም።

ምስ ማሕበረሰብ ዒሳን ጎረባብቲ ክልላትን ባህሊ ሓቢርካ ምንባርን እሴታት ሰላምን ህዝቢታት ንምጥንኻር ዝተሳለጠ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዕዉታት ከምዝነበሩ ኣብሪሆም።

ኣብ ጠረፍ ከባቢ ዝተገበሩ ስራሕቲ ቁፅፅር ዘይሕጋዊ ምዝውዋር መሳርሒት ኲናት፥ 71 ዝተፈላለዩ መሳርሒታት ኲናትን ልዕሊ 81 ሺሕ ጠያይቲን ተታሒዞም ኢሎም።

ኣብ ጥዕና፣ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይ፣ ከምኡ እውን ኣብ ተበፃሕነት ትምህርቲ ደቂ ሰበኽ ሳግም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ዝበረታትዑ ከምዝነበሩ ሓቢሮም።

ልዕሊ ሸውዓተ ሚሊየን ንዝኾና እንስሳ ዘቤት ግልጋሎት ክትባትን ሕክምናን ከምዝተውሃበ እውን ገሊፆም።

እቲ ጉባኤ ንሰለስተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እንትኸውን፥ ፀብፃብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲን ቤት ዕዮ ዋና ኦዲተርን እቲ ክልል ከምኡ እውን ኣብ በጀት ዓመተ 2013 እቲ ክልል ብምዝታይ ከፅድቕ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ገዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment