ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዓሊሙ ዝወፅአ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ን3 ኣዋርሕ ኣናዊሑዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ንምክልኻልን ምቁፅፃርን ቫይረስኮሮና ዓሊሙ ዝወፅአ ድንጋገ ህፁፅ ኣዋጅ ንሰለስተ ኣዋርሕ ክናዋሕ ወሲኑ።

ፈፃሚ ስራሕ ካብኔ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና (COVID-19) ንምክልኻል ዝዓለመ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ምእዋጁ ይዝከር።

እቲ ድንጋገ ተመሓይሹ ዝወፅአ ሕገ-መንግስቲ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዓንቀፃት 56ን 103ን መሰረት ዝገበረ እንትኸውን፥ ነቲ ኣዋጅ ዘፈፅም ኮማንድ ፖስት ተጣይሹ ንዝሓለፉ ክልተ ሰሙናት ኣብ ስራሕ ፀኒሑ ኢዩ።

ስለዝኾነ እቲ ባይቶ ሎሚ 01 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ኣብ ዘካየዶ 5ይ ዘበን መበል 6ይ ህፁፅ ጉባኤኡ፥ ብቤት ምኽሪ ፈፃሚ ስራሕ ዝወፅአ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቁፅሪ 1/2012 ኣፅዲቑ ኣሎ።

ዕላማ፣ ኣድላይነቱን ትሕዝትኡን ሪኡ ካብ 17 መጋቢት 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ንዝቕፅሉ ሰለሰተ ኣዋርሕ ተፈፃሚ ኽኸዉን ድማ ብመሉእ ድምፂ ኣፅዲቕዎ።

ብተወሳኺ ሕጋዊ ኣፈፃፅማ እቲ ድንጋገ ዝከታተሉ ሸዉዓተ ኣባላት ዝሓዘ መርማሪ ቦርድ ከምዘፅደቐ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment