ባንክታት ዘጠራጥሩ ምትዕድዳጋት ኣብ እዋኑ ሪፖርት ብምግባር ገበናት ፋይናንስ ንምክልኻል ግደኦም ክዋፀኡ ኣለዎም ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንክታት ዘጠራጥሩ ምትዕድዳጋት ብኣግባቡን ኣብ እዋኑን ሪፖርት ብምግባር ገበናት ፋይናንስ ንምክልኻል ግደኦም ክዋፀኡ ኣለዎም ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ገሊፁ።

ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብ ንምክልኻል ዘኽእል መድረኽ ዘተ ትካላት ኣገልግሎት ፋይናንስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዘሳሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ድሕንነት ፋይናንስ ሙሉቀን ኣማረ፥ መንግስቲ መመሓየሺታትን ስጉምቲታት ለውጢን ምውሳዱ ገሊፆም።

ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ዝተማልአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ምእታዉ እውን ተዛሪቦም።

ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተረኸቡ ገንዘባት ሕጋዊ ናይ ምግባር ምንቅስቓስ ከምዘለዉ ብምግላፅ፥ እቶም ገንዘባት ብስርዓት ባንኪ ዝሓልፉሉ ኣጋጣሚ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ባንክታት ዘጠራጥሩ ምትዕድዳጋት ኣብ እዋኑ ሪፖርት ብምግባር ገበናት ፋይናንስ ንምክልኻል ግደኦም ክዋፀኡ ኣለዎም ኢሎም።

ብየሻምበል ምህረት

Comments (0)
Add Comment