ባንኪ ዓለም 907 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ምስ ሚኒስቴር ገንዘብ ስምምዕነት ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝስርሑ ሰለስተ ፕሮጀክታት ዝውዕል 907 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ንምግባር ምስ ሚኒስቴር ገንዘብ ስምምዕነት ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሽዴን ዳይሬክተር ግሩፕ ባንኪ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ኦስማን ዲዮንን ኢዮም ተፈራሪሞምዎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣናእሽቲን ማእኸለዎትን ኢንተርፕራይዛት፤ ኣወሃህባን ተበፃሕነትን ግልጋሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምድንፋዕ ከምኡ እውን ለበዳ ኮቪድ-19 ከብፀሖ ዝኽእል ጉድኣት ንምንካይ ዝውዕል ሓገዝ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ናይ መጀመርታ ስምምዕነት ሓገዝ 200 ሚሊየን ዶላር ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ደቀቕቲን ኣናእሽቲን ንዝተዋፈሩ ኢንተርፕራይዛት ዝውዕል ኢዩ።

ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣዚዮም ዝተጎድኡ ኢንተርፕራይዛት ኣዋፃኢ ብዝኾነ መገዲ ንኽቕፅሉን ኣብ ውሽጢ ንግዲ ክፀንሑ ንምግባር ከምዝሕግዝ ኣውን ተሓቢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ንዝሳለጡ ኣገልግሎታትን ተበፃሕነትን ኤሌክትሪክ ንምዕባይ 500 ሚሊየን ዶላር ስምምዕነት ዝተገበረ እንትኸውን፥ ኣብቲ ዓውዲ ዘላቒ ኣማራፂታት ፋይናንስ ንምምፃ ዘኽእል ከባቢ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ ክብል ኢብኮ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment