ባንኪ ዓለም ከይዲ ኣባልነት ትካል ንግዲ ዓለም ኢትዮጵያ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ዓለም ባንክ ኢትዮጵያ ኣብ ትካል ንግዲ ዓለም ኣባል ንምዃን ትገብሮ ከይዲ ብፋይናንስን ቴክኒክን ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ምስ ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ÷ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ንምዃን እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪ ኣብሪሆም፡፡

ባንኪ ዓለም ፃዕሪ ኢትዮጵያ ከድግፍ ኣብ ዝኽእለሎም ጉዳያት ብምሕባር÷ እቲ ከይዲ ዝቀላጠፈሉ ኩነታት ንኽፍጠር ሓገዝ ንኽገብር ሓቲቶም፡፡

ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባንኪ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ፃዕሪን ከይዲን እቲ ባንኪ ብፋይናንስን ብቴክኒክን ከምዝድግፍ ኣረጋጊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment