ባንኪ ዓለም ኣገልግሎት ጥዕና ገፀር ማሕበረሰብ ተበፃሒ ንምግባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ካብ ከተማ ርሒቖም ንዝርከቡ ማሕበረሰብ ገፀር ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሒ ንምግባር ብመንግስቲ ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ብሚኒስቴር ጥዕና እናተተግበሩ ዝርከቡ ተበፃሕነት ማሕበረሰብ ሓቆፍ ኣገልግሎት ጥዕና ዘረጋግፁ ፕሮጀክታት ተዓዚቦም፡፡

እቶም ሓለፍቲ ኣብ ቢሾፍቱ ዝርከብ ጣቢያ ጥዕና ጨለለቃ ኣብ ዝጎብነዩሉ እዋን ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ነፃነት ወርቅነህ (ፕ/ር)÷ “እቲ ጣቢያ ኣብ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ደረጃ ኣገልግሎት ተበፃሒ ንምግባር ዘተሰርሑ ስራሕቲ መርአዪ ኢዩ” ኢሎም፡፡

በቲ ጥዕና ጣቢያ እናተውሃበ ዝርከብ ኣገልግሎት ሕክምና ምውላድን ሃንደበታዊ ሓደጋን እቶም ሓለፍቲ ስራሕ ከምዝተዓዘቡ ሓበሬታ ሚኒስቴር ጥዕና የመላኽት፡፡

ኣባላት ልኡኽ ባንኪ ዓለም÷ ኣብቲ ጥዕና ጣቢያ እናተውሃበ ዝርከብ ኣገልግሎት ካብ ቀዳማይ ደረጃ ሕክምና ካብ ዝወሃብ ኣገልግሎት ንላዕሊ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment