ባንኪ ዓለም ኣብ 2023 ንኣፍሪካ ካብ 50 ቢሊየን ዶላር ዘይንእስ በጀት ከምዝምድብ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ 2023 ንኣፍሪካ ካብ 50 ቢሊየን ዶላር ዘይንእስ በጀት ከምዝምድብ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኦስማኔ ዲያጋና ገሊፆም።

ኣብ መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ዝተሳተፉ ምክትል ፕሬዚዳንት ባንኪ ዓለም ኦስማኔ ዲያጋና ከምዝገለፁዎ÷ ኣፍሪካ ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ሓገዝ ዘድልያ ሕዚ ኢዩ።

ኣፍሪካ፤ ኣብ ውሽጢ ፈተናታት ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ድርቂ፣ ውሕስና ምግቢ፣ ፅዕንቶ ቫይረስ ኮሮናን ፖለቲካዊ ዘይምርግጋዕን ከምትርከብ ፀሪሖም።

እቲ ፅዕንቶ ብብሱል ሜላ ኣመራርሓ መራሕቲን ሓበራዊ ምትሕብባር ህዝቢታን ጥራሕ ከምዝፍታሕ ዝገለፁ እቶም ምክትል ፕሬዚዳንት፥ ካብ ብሕዚኡ ነዚ ዝሕግዙ መፍትሒ ሓሳባት ምፍልፋል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብምዃኑ ባንኪ ዓለም እቲ ፀገም ንምቅላል ንኣፍሪካ ዝገብሮ ሓገዝ ፋይናንስ ኣብ 2022 ካብ ዝነቦ በጀት ዝዓዘዘ ከምዝኸውን ኣረጋጊፆም።

እቲ ባንኪ ካብ ስሩዕ በጀቱ ወፃእ ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ዝውዕል ሓገዝ ከምዝገብር ብምሕባር፥ ህዝቢን መንግስቲን እታ ኣህጉር ዘለዎም ሃፍቲ ብምጥቃም እዚ ከቢድ እዋን ክሓልፉ ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrignahttps://www.youtube.com/

Comments (0)
Add Comment