ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ክእለት ዝመርሖ ኣንፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕ መሰረት ብምግባር ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተሳተፍቲን ተረባሕቲን ንምግባር ስትራቴጂያዊ ምሕዝነቱ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።
ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ዓለም ባንክ አብ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን መሪየም ሳሊም ተዋዲድካ ምስራሕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ውፅታዊ ዘተ ከምዝገበረ ገሊፀን፡፡
ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ልምዓት ክእለት፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ሰላማዊ ርክብ ኢንዱስትሪን ኣብ ህንፀት ትካል ኣብ ዓውዲታት ትኹረት ዝተሃንፀፁ ናይ ሪፎርም ኣጀንዳታትን ሸቶታትን ብዝርዝር ተመልኪትና ኢለን፡፡
እቲ ባንኪ እናተኸተልናዮ ብዘለና ክእለት ዝመርሖ ኣንፈት ፈጠራ ዕድል ስራሕ መሰረት ብምግባር ንመናእሰይን ደቂ ኣንስትዮን ተሳተፍቲን ተረባሕቲን ንምግባር ስትራቴጂያዊ ምሕዝነቱ ከምዝቕፅል እተን ዳይሬክተር ኣረጋጊፀናለይ” ክብላ ገሊፀን፡፡