ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ዝውዕል ደገፍ 300 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ብጎንፂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት መሊስካ እግሪ ንምትካል ዝውዕል ደገፍ 300 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ።

እቲ ባንኪ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብ ዝለኣኾ መግለፂ፥ እቲ ደገፍ ኣብ ኢትዮጵያ ጎን ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ዝተጎድኡ ሰባት እግሪ ንምትካልን ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታት ንምህናፅን ከምዝውዕል ኣፍሊጡ።

ብፍላይ መሰረታዊ ኣገልግሎት ኣቕርቦት ንምምሕያሽን ብለውጢ ኸባቢ ኣየር ዘይብዳህ መሰረተ ልምዓት ንምህናፅን ከምዝውዕት ተገሊፁ።

ብጎንፂ ዝተጎድኡ ሰባት ከምዘቐድም ድማ ተሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ክልል ትግራይ፣ ዓፋር፣ ኣምሓራ፣ ቤኒሻንጉልጉምዝን ኦሮሚያን  ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ውፅኢታዊን ህፁፅን ምላሽ ንምሃብ እቲ ደገፍ ገንዘብ ብመንግስቲ ፌዴራል፣ ክልል መነግስታትን ኣብቲ ከባቢ ብዝንቀሳቐሱ ግብረ ሰናት ትካላትን ከምዝቐረብ እወን ተሓቢሩ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment