ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ዓውዲታት ትኹረት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ደገፍ ከምዝገብር ተገሊፁ።
ሃገራዊ ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ዕዉታት ንክኾኑ ዘኽእል ዘተ ኣብ መንጎ ባንኪ ዓለምን ሚኒስቴር እቶትን ተሳሊጡ።
ሚኒስቴር እቶት ሃገራዊ እቶት ክብ ብምባል ምዕባለ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ዝድለ ብርኪ ንምብፃሕ 25 ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ብምቕራፅ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወ ተሓቢሩ።
ሓለፍቲ ስራሕ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ሚኒስቴር ብምርካብ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘሳለጥዎ ዘተ፥ ተግባራት ምምሕያሻት እቶት በቲ ዝድለ ብርኪ ተፈፃሚ ንክኸውን ንምግባር ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ሓደ መርኣያ ኢዩ ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ሚኒስትር እቶት ኣይናለም ንጉሴ፥ ብመንፅር ምእካብን ምምሕዳርን ታክስ ከም ሃገር ክፍተታት ከምዘለዉ ተዛሪበን።
ስለዝኾነ ባንኪ ዓለም በፍላይ ከም ትካል ናይ ትኹረት ዓውዲታት ተባሂሎም ኣብ ዝተለለዩ ተግባራት ምምሕያሽ እቶት ደገፍ ንክገብር ሓቲተን።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።