ባንኪ ዓለም ንፅሬት ትካላት መሰረተ ልምዓት ዝኸውን 14 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ኣካል ባንኪ ዓለም ዝኾነ ብሄራዊ ፕሮጀክት ንፅሬት ትካላት መሰረተ ልምዓት ኣብ ዝቕፅሉ 18 ኣዋርሕ ኣብ ስራሕቲ ቁፅፅር ፅሬት ንዝተዋፈሩ መሰረተ ልምዓት ትካላት ዝኸውን በጀት 14 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ ሓገዝ ኣፅዲቑ።

እቲ ፕሮጀክት ንዘሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣገልግሎት ፅሬት መሰረተ ልምዓት ንምምሕያሽ ዕላማ ገይሩ ብምስራሕ ኣብ ሞንጎ ውሃብቲ ኣገልግሎትን ተቐበልቲን ኣካላት ሚዛናዊ ኣሰራርሓ ንምፍጣር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ነዚ ድማ ሚኒስቴር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳር ሓዊሱ ኣብ ዘፈር ውልቀ ንዝተዋፈሩ ሰብ ሃፍቲ ብዙሓት ህንፀት ዓቕሚን መሰረተ ልምዓትን ሓገዛት እናገበረ ምፅንሑ መተሓባበሪ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ፅሬት መሰረተ ልምዓት ኣይተ ወንድወሰን ፍስሃ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ብፍላይ ዘፈራት ምግቢ፣ ክዳውንቲን ቆረበትን ፅሬት ፍርያትን ኣገልግሎትን ዘለዎ ንኽኸውን ትኹት ገይሩ እናሰርሐ ከምዝርከብ ዝገለፁ እቶም መተሓባበሪ፥ እዚ ጋህዲ ንምግባር ኣብቶም ዘፈራት ዝረአዩ ፅሬት ፍርያትን ኣገልግሎትን ካብ ዝነበሮ ምዕባይ ከምዝተኽኣለ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment