ባንኪ ዓለም ንውፅኢታዊነት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባንኪ ዓለም ንውፅኢታዊነት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፥ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ምብራቕ ኣፍሪካ ኦስማን ዳይን ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

እቲ ዘተ ብዋናነት ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ከምስግኣት ዝለዓሉ ውሱንነት ኣቕርቦት ሓይሊ፣ ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ሰራሕተኛታትን ዓውዲ ህንፀት መፃረዪ ፈሳሲን ዘተኮረ ኢዩ ተባሂሉ።

ብተወሳኺ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዓለም ለኻ መድረኽ ብምፍላጥ ዝረአ ውሱንነትን ካልኦት ተመሳሰልቲ ዛዕባታትን ብምልዓል ተዛቲዮም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ኣይተ ሳንዶካን ደበበ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ  ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ኩለ መዳያዊ ምንቅስቓስ ልምዓት ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደው ብምባል ንዝሓለፉ ዓማውቲ ንዝገበሮ ደገፍ አመስጊኖም።

ባንኪ ዓለም ዝገብሮ ደገፍ ኣብ ልምዓት ፓርክ ኢንዱስትሪ እውን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ክብሉ ሓቲቶም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment