ባንኪ ዓለም ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ሓገዝ ክቕፅል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መተሓባበሪ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ኣይተ ጃንጥራር ኣባይ ገሊፆም።

እቶም መተሓባበሪ፥ “ምስ ተወከልቲ ባንኪ ዓለም ጠቓሚ ልዝብ ገይርና፤ እቲ ባንኪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝሰርሖም ልምዓታት ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁልና ኢዩ” ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ምስ ማእኸል ምገባ ተምሃሮ ተተሓሒዙ መመገቢ ኣዳራሻትን ተወሰኽቲ መሰረተ ልምዓታትን ኣብ ዝህነፁሉ ጉዳይ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅ ገሊፆም።

ኣብታ ከተማ ማእኸል እግሪ መትከሊን መሊስካ ህንፀትን ንምህናፅ እውን ኣብ ስምምዕነት ተበፅሐ ምግላፆም ግዜኢ ፀብጺቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment