ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ደገፍ 195 ሚሊየን ዶላር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ደገፍ 195 ሚሊየን ዶላር ገይሩ።

እቲ ገንዘብ ኣብ ኢትዮጵያ ክታበት ኮቪድ 19 ብብርኪ ሃገር ተበፃሒ ንምግባር ንዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ዝውዕል ኢዩ ክብል ሚኒስቴር ገንዘብ ኣፍሊጡ።

ብተወሳኺ ብሰንኪ ጉንፂ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ትካላት ጥዕና መሊሽካ ንምጥያሽ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ስለዝኾነ ብብርኪ ሃገር ለበዳ ኮቪድ 19 ንምክልኻል ከምዝሕግዝ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣብ ሓለዋ ጥዕና፣ ስነ ምግብን ካልኦት ኣገልግሎታት ጥዕና ኣዴታትን ህፃናትን ተባፃሒ ኣብ ምግባር ከምዝሕግዝ ተሓቢሩ።

ካብዚ ሓሊፉ ሰብ ሞያ ጥዕና ማሕበረሰብ ንምስልጣን ከምዝውዕል ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment