ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ንኢትዮጵያ ዝገብዶ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።
እቲ ደገፍ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ንህንፀት መሰረተ ልምዓት፣ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ግብርና፣ ቀጣናዊ መትእስሳርን ምምሕያሽ ኢኮኖሚን ዘውዕል ኢዩ ተባሂሉ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ማኔጂንግ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣክሴል ቫን ትሮትሰንበርግ ኣብ ሴኔጋል ተዛቲዮም።
ኣይተ ደመቀ ኣብ ኣኼባ መራሕቲ ማሕበር ልምዓት ኣይ.ዲ.ኤ 20 ንምስታፍ ሎሚ ናብ ሴኔጋል ኣምሪሖም።
ምስ ኣክሴል ቫን ትሮትሰንበርግ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምድሃብ ምዝታዮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብ ዘተኦም፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፀገማቱ ንምፍታሕ ኣብ ዝገብሮ ፃዕሪ ባንኪ ዓለም እምነት ከምዘለዎ እቶም ዳይሬክተር ተዛሪቦም።
ባንኪ ዓለም ኣብ ቐፃሊ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ንዝግበሩ ስራሕቲ ልምዓት ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጦም።
ነዚ ድማ 5 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ንምሃብ ቃል ከምዝኣተወ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።