ባንኪ ዓለም ብዝመደቦ ልዕሊ 45 ሚልየን ዶላር ኣብ ትግራይ ዝትግበር ፕሮጀክት ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ተወጊኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ብዝመደቦ ልዕሊ 45 ሚልየን ዶላር ኣብ ፈላማይ ርብዒ ዓመት 2017 ዓ/ም ኣብ 14 ወረዳታት ክልል ትግራይ ዝትግበር ፕሮጀክት ንምጅማር ዘኽእል ምድላው ከም ዝወገነ ቤት ፅሕፈት ዳግመ ህንፀትን ሕውየትን ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ዝዓነወ መሰረተ ልምዓታት መሊስካ ንምህናፅ ዓሊሙ ቅድሚ ትሽዓተ ወርሒ ዝተጣይሸ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ኣብቲ ክልል ዝበፅሐ ዕንወት ዳህሳሳዊ መፅናዕቲ ብምክያድ ሃፍቲ ናይ ምትእልላሽ ስራሕቲ የካይድ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝመደቦ 4 ሚልየን ዶላር ኣብ ዞባታት ምብራቕ፣ ማእኸላይን ሰሜን ምዕራብን ኣብያተ ትምህርትን ትካላት ማይን ተፀጊነን ናብ ስራሕ ከም ዝኣተዋ እውን ተገሊፁ።

ኣተሓባበሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ቴድሮስ ገ/ እግዚብሄር፥  ስራሕ ንዘይብሎም መናእሰይን ደቂ ኣኒስቲዮን ብምውዳብን ብምስልጣንን ንነብሲ ወከፎም ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ብር መበገሲ ካፒታል ብምሃብ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ከምዝተገበረ እቶም ኣተሓባባሪ ሓቢሮም።

ብዘይካዚ ስርሐን ኣቋሪፀን ዝነበራ 44 ፕሮጀክትታት ልምዓት እውን ተፀጊነን ስርሐን ክጅምራ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም።

ክሳብ ሕዚ 2 ነጥቢ 6 ቢልየን ብር ዝተኣካኻኸበ ገንዘብ ኣብ ስራሕቲ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክውዕል እናተሰርሐሉ ከምዝርከብ ገሊፆም።

 

Comments (0)
Add Comment