ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክሲ ኢትዮጵያ ንምዝማን ክድግፍ ኢየ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክሲ ኢትዮጵያ ንምዝማን ኣድላዪ ቴክኒካዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ከምዝገብር ገሊፁ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር እቶት ተስፋየ ቱሉ÷ ኣብ ምሕደራ ስርዓት ታክሲ፣ ቴክኖሎጂን ተግባራት ምሕደራ ሃፍቲ ሰብን ትኹረት ብምግባር ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለም ተዛቲዮም፡፡

ባንኪ ዓለም÷ ስርዓት ኣከፋፍላ ግብሪ ንምዝማን ኣብ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ኣድላዪ ሓገዝ ንኽገብር ኣይተ ተስፋዬ ሓቲቶም፡፡

ተወካሊ ባንኪ ዓለም ማኑኤል ቫርጋስ ብግደኦም÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ እቶት እናርአየቶ ትርከብ ለውጢ ኣዚዩ ዝበረታታዕን ተስፋ ዝህብን ከምዝኾነ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ባንኪ ዓለም ምሕደራ ታክሲ ንምዝማን ኣድላዪ ቴክኒካዊን ገንዘባዊን ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣቲዮም፡፡

ስራሕቲ ቴክኖሎጂ፣ ሃፍቲ ሰብን ካልኦት ስራሕቲን ኣብ ሽቶኦም ንኽበፅሑ እቲ ባንኪ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓቢሩ ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

ሓገዝ ኣብ ዝግበረሎም ጉዳያት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝርራብ ከምዝትግበር ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment