ባንኪ ዓለም መንግስት ንዝሰርሖም ተግባራት ልምዓት ዝገብሮ ሓገዝ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ፕላንን ልምዓትን ፍፁም ኣሰፋ ምስ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ባንኪ ዓለም ተዛቲየን።

ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሉ ተግባራት ብምፍላይ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም፡፡

እተን ሚኒትር÷ ባንኪ ዓለም ኣብ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ምሕጋዝ ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ኣልዒለን፡፡

እቲ ምትሕብባርን ሓገዝን ሓበራዊ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ምፍፃም ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ሓቲተን።

ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኡስማን ዲዮን ብግደኦም÷ እቲ ባንኪ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምቅልጣፍ ዝሰርሖም ተግባራት ልምዓት ኣብ ምሕጋዝ እናሰርሖም ዝነበሩ ተግባራት ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment