ባንኪ ወጋገን ኣብ ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ታሕሳስ ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ወጋገን ኣብ ክልል ትግራይ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ዝውዕል 40 ሚልየን ብርን 100 ኩንታል ሓገዝ እኽሊን ገይሩ።

እቲ ደገፍ ገንዘብን እኽሊን፥ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ብመሰረት ዝገበሮ ፃውዒት ብምቕባል ዝተውሃበ ምላሽ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ከም ባንኪ 40 ሚሊየን ብር ወፈያ እንትገብር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ድማ ገንዘብ ኣዋፂኦም ልዕሊ 100 ኩንታል እኽሊ ብምዕዳግ ደገፎም ኣረጋጊፆም ኣለዉ።

እቲ ደገፍ እኽሊ ኣብ ወረዳታት ኣበርገለ የጭላ፥ ኣፅብን ዒስራ ዓዲ ወጀራትን ንዘለዉ ወገናት ዝውዕል ከመዝኾነ ቺፍ ባንኪ ወጋገን ሰሜን ረጂን ኣይተ ሃፍቶም ገብረእግዚአብሄር ገሊፆም።

ኣብ ስነስርዓት እቲ ርኽክብ፥ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳን ፕሬዚደንት ባንኪ ወጋገን ዶ/ር ኣክሊሉ ውበትን ተረኺቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment