ባንኪ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ንዓብይ ግድብ ህዳሰ 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ለጊሱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ንዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸወን 1 ነጥቢ 8 ሚልየን ብር ብውህብቶ ለጊሱ።

እቲ ውህቦቶ ዝተረከቡ ዋና ዳይሬክተር መተሓባባሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ግድብ ህዳሰ ዶ/ር ኣረጋዊ በርሀ ኢዮም።

እቶም ዋና ዳይረክተር፥ ንባንኪ ኣዲስ ኢንተርናሽናል ምስጋንኦም ኣቕሪቦም።

ካልኦት ባንክታት እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ግድብ ድጋፍ ክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

Comments (0)
Add Comment