ባንኪ ኢንተርናሽናል ኣንበሳን ወጋገንን  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ኢንተርናሽናል ኣንበሳን ወጋገንን  ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሮም።

ባንኪ ኢንተርናሽናል ኣንበሳ ኣብ ሽረ አንዳስላሰን ከባቢኡን ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።

ብተመሳሳሊ ባንኪ ወጋገን ኣብ ኣላማጣን ጥሙጋን ኣገለግሎት ምሃብ መጅማሩ ገሊፁ።

ኣብ ቅርንጫፋት ሰቲት ሑመራ፣ ዓዲ ረመፅ፣ ዳንሻን ተከዘን ቅድም ኢለን ኣገልግሎት ምጅማረን ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ መቐለን ሽረን ኣብ ዝርከቡ ቅርንጫፋት ኣገልግሎት ንምሃብ ቅድመ ምድላው ከምዝዛዘመ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment