ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ይርከብ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ኢኮኖሚ ንምንቕቓሕ ዓብዪ ኣስተዋፅኦ እናገበረ ከምዝርከብ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መዓልቲ ዓማዊል ምኽንያት ብምግባር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ሰብ ሃፍቲ መድረኽ ዘተ ኣካይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ ኣይተ ጌታቸው ረዳ÷ ኣብቲ ክልል ብሰንኪ ዝነበረ ኲናት ተዘሓሒሉ ዝፀንሐ ምንቅስቓስ ኢኮኖሚ ንኽነቓቓሕ እቲ ባንኪ ዝገበሮ ኣስተዋፅኦ ንኢዶም።

ማሕበረሰብ ንግዲ ዘለዎ ድሌት ፋይናንስ ኢኮኖሚያዊ ረብሓን ብምፅናዕ ዝህቦ ሰባይ ምላሽን ዘበርክቶ ኣስተዋፅኦን ብዝበለፀ ከምዘጠናኽር እውን እምነቶም ገሊፆም።

ኣብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዳይሬክተር ዲስትሪክት መቐለ ኣይተ ኤልያስ ልሳነወረቅ ብግደኦም÷ ኣብ ክልል ትግራይ እቲ ባንኪ ዝተኣማመነሎም ዓማዊል ከምዘለዉ ገሊፆም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ልቓሕ ንምምሕያሽን ዝህቦ ኣገልግሎት ንምዝማንን እናሰርሐ ከምዝርከብ ብምሕባር ኣብ ቀፃሊ ኣገልግሎቱ ከምዘጠናኽር ምርግጋፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment