ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንግድብ ህዳሰ ዝኸውን ዕድጊት ቦንድ ብር 200 ሚሊየን ፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንዓቢዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝኸውን ዕድጊት ቦንድ ብር 200 ሚሊየን ፈፂሙ።

እቲ ባንኪ ዕድጊት ቦንድ ፈፂሙ ዘሎ፥ ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን መተሓባበሪ ብሄራዊ ቤት ምኽሪ ተሳትፎ ህዝቢ ግድብን ብምትሕብባር ኣብ ዝተሰናድአ ሃገር ለኸ መጀመሪ መሸታ ቦንድ ከምዝኾነ ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብ 15 ክሳብ 25 መጋቢት 2013 ዓ.ም ኣብ ዝግበር መርሃ ገብሪ፥ ኣብ ጨንፈራት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያን ከምኡ እውን ዳሳት ብምስራሕ ካብ ብረ 50 ጀሚሩ መሸጣ ቦንድ ከምዝካየድ ተገሊፁ፡፡

ኩሉ ሕብረተሰብ ዕድጊት ቦንድ ብምፍፃም ንግድብ ህዳሰ ዳግም ኣሰሩ ንኸንብር እውን ፃውዒት ቀሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment