ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ንዓለም ለኸ ውድድር ከዳሉ ይግባእ – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዘህነፆ ሓዱሽ ህንፃ መሪቖም ከፊቶም።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምረቓ ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባንኪ፣ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ ኣባላት ዳይሬክተራት ቦርድ፣ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ባንኪ፣ ዓማዊልን ዕድመ ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣብ ስነ-ስርዓት ምረቓ ኣብ ዘስምዑዎ መደረ፥ “እንኳዕ ንመበል 80 ዓመት ምስረታ በዓል ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ምረቓ ሓዱሽ ቤት ዕዮ እቲ ባንኪን ኣብፀሐኩም” ኢሎም፡፡

“ንደልያ ኢትዮጵያ ትማሊ ዝሓለፉላ ትዝክር፣ ሎሚ ዝሰርሑላ እተመስግን፣ ንፅባሕ ኣብነታውያን ክትፈጥር ትኽእል ኢያ” ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ እቲ ባንኪ ነዚ ዘዘኻኽር ብምዃኑ ምስግና ከምዝግበኦ ኣብሪሆም፡፡

ተግባር እቲ ባንኪ ኢትዮጵያ ትካል ምህናፅ ከምትኽእልን ንቐፃሊ ወለዶ ናይ ምምሕልላፍ ልምዲ ከምዘለዋን ዘርኢ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

እቲ ባንኪ ኣብ 80 ዓመት ጉዕዙኡ ብዙሓት ማሕለኻታት ምሕላፉ ብምሕባር፤ ክሳብ ሕዚ ንዘበርክቶ ኣስተዋፀኦ ኣመስጊኖም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ንባዕሉ ንዓለም ለኸ ውድድር ከዳሉ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Twitter (https://twitter.com/fanatelevision)

FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision) | Twitter

The latest Tweets from FBC (Fana Broadcasting Corporate S.C.) (@fanatelevision). Radio Fana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment