ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ልዕሊ 13 ኩንታል ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ልዕሊ 13 ኩንታል ወርቂ ካብ ሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣፍሊጡ።

ኣካያዲ ስራሕ እቲ ጨንፈር ኣይተ ተኬኤ ግደይ፥ እቲ ባንኪ ኣብ ወርሒ ሓምለ፣ ነሓሰን መስከረምን ካብ ባህላዊ ኣፍረይቲ ወርቂ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ተዛሪቦም።

ብሄራዊ ባንኪ ቅድም ክብል ካብ ዝነበረ ዋጋ ወርቂ 15 ሚኢታዊ ወሰኽ ምምሕያሽ ብምግባር ኣብቶም ኣዋርሕ ልዑል መጠን ዘለዎ ዕድጊት ወርቂ ከምዘካየደ ገሊፆም።

ካብ ወርሒ መስከረም ክሳብ ሰነ 2016 ዓ.ም 303 ሺሕን 213 ነጥቢ 20 ግራም ዕድጊት ወርቂ ከምዝተፈፀመ ብምዝኽኻር፥ ኣብ ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም እውን 1 ሚሊየንን 349 ሺሕን 32 ግራም ዕድጊት ፍሪያት ወርቂ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቦም።

እቲ ጨንፈር ብሓፈሻ ልዕሊ 17 ቢሊየን ብር ወፃኢ ብምግባር እቲ ዕድጊት ከምዝፈፀመ ኣብሪሆም።

ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ጨንፈር ሽረ እንዳስላሰ ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ተወኪሉ ማእኸል ዕድጊት ወርቂ ብምጥያሽ ብብርኪ ክልል ዕድጊት ወርቂ ይፍፅም ከምዘሎ እቶም ኣካያዲ ስራሕ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment