ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘየጋጠሞ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገም ሲስተም እንበር መጥቃዕቲ ሳይበር ከምዘየጋጠሞ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ኤቲኤም ስራሕ ዘጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ እውን ስራሕቲ ኣገልግሎት ዲጂታል ባንኪ ከምዝጅምሩ ኣፍሊጡ።

ብኻሊእ መዳይ ዘጋጠመ ምቁራፅ ኣገልግሎት ውሽጢዊ ፀገም ሲስተም እቲ ባንኪ እንበር ከምቲ ዝተወዘዐ ስኑዕ ሓበሬታ መጥቃዕቲ ሳይበር ወይ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ከምዘይኮነ ኣረጋጊፁ።

እቲ ባንኪ ዘተኣማምን ሓለዋ ድሕንነት ሳይበር ዘለዎ ከምዝኾነ ኣገንዚቡ።

ስለዝኾነ ዓማዊል ምንም ዓይነት ስግኣት ንከይህልዎም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ፀጋጠመ ፀገም ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ሙሉእ ብሙሉእ ንምስትኽኻል ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment