ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ 20 ቢሊየን ብር ከስቢ ረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ልዕሊ 20 ቢሊየን ብር ከስቢ ከምዝረኸበ ተገሊፁ።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኣቤ ሳኖ፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ በጀት ዓመት 2013 ዓ.ም ኣመልኪቶም መግለፂ ሂቦም፡፡

ኣብ መግለፂኦም ድማ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ልዕሊ 140 ቢሊየን ብር ተቐማጢ ብምትእኽኻብ ሓፈሻዊ ተቐማጢ ገንዘቡ 735 ቢሊየን ብር ምብፅሑ ተገሊፁ፡፡

ሸርፊ ወፃኢ ንምዕባይ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ድማ ልዕሊ 2 ነጥቢ 86 ቢሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ተኣኪቡ፡፡

ኣብቲ በጀት ዓመት ንዝተፈላለዩ ፕሮጀክታት ኢንቨስትመንትን ትካላት ንግዲን 107 ቢሊየን ብር ብመልክዕ ልቓሕን መሸጣ ቦንድን ዘቕረበ እንትኸውን፥ 60 ቢሊየን ብር ካብ ልቓሕ ተመላሲ ከምዝተኣከበ ኣብሪሆም፡፡

ኣብ ታሪኽ 80 ዓመት ልዑል ከስቢ ከመዝግብ ከምዝኸኣለ ዝገለፁ እቶም ፕሬዚዳንት፥ ሓፈሻዊ ሃፍቱ 999 ቢሊየን በር ምብፅሑ ኣቶ ኣቤ ሳኑ ምግላፆም ካብቲ ባንኪ ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment