ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ ኣብ ከይዲ ሙቑፃር 11 ሺሕ ሰራሕተኛታት ከምዝርከብ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ልዕሊ ኣብ ከይዲ ሙቑፃር 11 ሺሕ ሰራሕተኛታት ከምዝርከብ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ ከይዲ ኣወሃህባ ፈተና ኣመልኪቱ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሓበራዊ መግልፂ ሂቡ።

ከይዲ ምቑፃር ተኣማኒ ንኽኸውን ናይ ፅሑፍ ፈተና ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ክፍሊ ንግዲ ክወሃብ ከምዝተገበረ እቲ ባንኪ ገሊፁ፡፡

ምክትል ፕሬዚዳንት ምምሕዳር ሓይሊ ሰብ እቲ ባንኪ ኣይተ ኤፍሬም መኩሪያ÷ ፈተና ንምፍታን ልዕሊ 13 ሺሕ ዜጋታት ኣመልኪቶም መለክዒ ዘማልኡ ተመዝገብቲ ኩሎም ፈተና ከምዝወሰዱ ተዛሪቦም።

ንተኸታታሊ ኣርባዕተ ሰናብቲ ናይ ፅሑፍ ፈተነ ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኣቢሊ እናተውሃበ ፀኒሑ ከምዝተዛዘዘመ እውን ኣብሪሆም፡፡

ብቅድስት ብርሃኑ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment