ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ሳፋሪኮም ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ስምምዕነት ከቲሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያን ዲጂታል ኣሰራርሓታት ንምስፋሕን ንምጥንኻርን ዘኽእሎ ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ከምዝተፈራረመ ገሊፁ።

እቲ ምምዕነት፥ ፕሬዚዳንት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣቤ ሳኖን ዋና መካየዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣንዋር ሶሳን ከምዝፈረሙዎ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣይተ ኣቤ ሳኖ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ባንኪ ድሌት ዓማዊል ንምዕጋብ ዝተፈላለዩ ዘበናዊ ኣሰራርሓታት ተግባራዊ እናገበረ ይርከብ።

ተቐመሳጢ ገንዘብ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ካብ ሓደ ትሪሊየን ከምዝተሳገረ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ ዲጂታል ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ርኡይ ግደ ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከተ ገሊፆ።

ሕዚ እውን ዘበናዊ ቴክኖሎጂታት ተግባራዊ ብምግባር ኣወሃህባ ኣገልግሎቱ ብዝበለፀ ንምዝማን ብዕቱብ እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ዋና መካየዲ ስራሕ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ኣንዋር ሶሳ ብግደኦም÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዲጂታል ተበፃሕነት እተስፋሕፈሐ ምምፅኡ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣልዒሎም።

ሳፋሪኮም ኢትዮጰያ ምስ ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ዝገበሮ ስምምነት ንትግበራ ዲጂታላይዜሽን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment