ባንኪ ሕብረት ልዕሊ ብር 2 ነጥብ 8 ቢሊየን ፈስስ ብምግባር ዝሃነፆ ህብር ታወር ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ሕብረት ልዕሊ ብር 2 ነጥብ 8 ቢሊየን ፈስስ ብምግባር ዝሃነፆ ዋና ቤት መስርሕ ህንፃ ኣመሪቑ።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ መርሃ ግብሪ ምረቓ ህንፃ እቲ ባንኪ ብዕሊ መሪቐን።

ካብ ዝጣየሽ 23 ዓመታት ዘቑፀረ ባንኪ ሕብረት እቲ ሓዲሽ ዝሃነፆ ህንፃ፤ ኣብ ልዕሊ 3 ሺሕን 300 ካሬ ሜተሮ ዝዓረፈ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ህንፃ ዓለም ለኸ  ደረጃኦም ዝሓለዉ ዘበናዊ አገልግሎቶታት ብዝህቡ ናውትታት ዝተዋደደ እንትኸውን÷ ብኮምፓስ ዝተሰርሑ 13 ሊፍትታት፣ ልዕሊ 147 ካሜራታት ድሕንነት፣ ባዓል 270 ካሬ ሜትር ስፋሓት ዘለዎ ዘመናዊ  ስክሪን፤ ብሓፈሻ ኩሉ ዝሓዘን ዝተማልአን ከምኡ ውን ቅልጡፍ ኣገልግሎት ክህብ ዝኽእል ህንፃ ምዃኑ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment