ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምምዕባልን ንምጥንኻርን ዘኽእል ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምምዕባልን ንምጥንኻርን ዘኽእል ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ኣኪንውሚ ኣዴሲና ተዛሪቦም።

ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ልምዓት ኢትዮጵያ ንምድጋፍ ናይ 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ድማ ሓቢሮም።

ንሰሰን ፍሪያት ሕርሻ ዘማዕብሉ መቀነባበርቲ ኣግሮ ኢንዱስትሪ ደገፍ ይገበር ኣሎ እውን ኢሎም።

ኢትዮጵያ÷ ንጅቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ሱዳን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ብምቕራብ ዞባ ቀርኒ ኣፍረካ ንሓይሊ ኤሌክትሪክ ንምትእስሳር ንእትገብሮ ፃዕሪ እቲ ባንኪ ይድግፍ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ብድምር ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ዓውዲ ሕርሻ ኢትዮጵያ ንምምዕባልን ንምጥንኻርን ዘኽእል ደገፍ ይገብር ከምዘሎ እቶም ፕሬዚዳንት ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment