ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ጅቡቲን ንዝህነፅ ዝርገሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዝኸውን ልቓሕ 83 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣፅዲቑ።
እቲ ልቓሕ ብነዊሕ እዋን ዝኽፈል ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ቀጠና ምብራቕ ኣፍሪካ ብሓይሊ ኤሌከትሪክ ብምትእስሳር መሰረተ ልምዓት እቲ ከባቢ ብምትእስሳር ኢኮኖሚያዊ ሽግግር ከምዘምፅእ ዳይሬክተር ሰርዓት ህንፀት ሓይሊ እቲ ባንኪ ባቺ ባልዴህ ገሊፆም።
ብተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ኢንዱስትሪ ከባቢ መብራቕ ኢትዮጵያ፣ ካብ ጅቡቲ ተበጊሱ ኢትዮጵያ ዝበፅሕ መስመር ባቡር ብኤሌክትሪክ ንክራኸብ ዝገብር ኢዩ ኢሎም።
እቲ ካልኣይ ዙር ኣቕርቦት ሓይሊ ዘርገሐ ኤሌክትሪክ አንትዛዘም ኢትዮጵያ ካብ ሽይጣት ሓይሊ ኤሊክትሪክ እትረኽቦ ኣታዊ ክብ ከምዘበል ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።