ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ማይን ዘለዋ ሃፍቲ ንክተልምዕ ይሰርሕ ከምዘሎ ምክትል ፕሬዝዳንት ልምዓት ሕርሻ፣ ሓይሊሰብን ማሕበራዊን እቲ ባንኪ ገሊፆም።
ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ሰመረታ ሰዋሰው፥ ምስ ምክትል ፕሬዝዳንት ልምዓት ሕርሻ፣ ሓይሊሰብን ማሕበራዊን እቲ ባንኪ ቤት ደንፎርድ ኣብ ጋና ተዛቲየን።
እተን ሚኒስትር ዴኤታ፥ ልምዓት ሕርሻ ብመነግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ተዋሂቡዎ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።
ንኣብነት ካብ ዓመታዊ ሃገራዊ ባጀት እቲ 10 ሚኢታዊ ነቲ ዓውዲ ምምዳቡ ንዓውዲ ሕርሻ ዘሎ ትኹረት ልዑል ከምዝኾነ ኣረዲአን።
ኢትዮጵያ ብኤክስቴንሽን ግብርና፣ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ገፀር፣ ኣቕርቦት እታዎታት ሕርሻ፣ ክንክን ሃፍቲ ተፈጥሮን ፕሮግራማት ሴፍቲኔትን ብሰፊሑ ኢንቨስት ከምዝተገበረ ሓቢረን።
ምክትል ፕሬዝዳንት ልምዓት ሕርሻ፣ ሓይሊሰብን ማሕበራዊን እቲ ባንኪ ብግደኦም፥ ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ሕርሻን ማይን ዘለዋ ሃፍቲ ንክተልምዕ ይሰርሕ ከምዘሎ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።