ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ 30 ቢሊየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ 30 ቢሊየን ብር ልቓሕ ከምዝሃበ ገሊፁ።

ጎኒ ንጎኒ ኤክስፖ ኢትዮጵያ ተፍሪ “ኢንቨስትመንት ውልቀን ምቹውነትን” ብዝብል መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ዮሐንስ ኣያሌው(ዶ/ር)፥ እቲ ባንኪ መንግስቲ ቀዳምነት ኣብ ዝህቦም ዓውዲታት ትኹረት ብምሃብ ይሰርሕ ኣሎ ኢሎም።

ብፍላይ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪ ልዑል ጠመተ ብምሃብ ብትሑት ወለድ ልቓሕ ብምሃብ ተዋሳእቲ እቲ ዓውዲ ይድግፍ ከምዘሎ ተገሊፁ።

እቲ ባንኪ ኣብዚ ሐዚ እዋን ክሳብ 6 ነጥቢ 3 ቢሊየን መኽሰብ ይረክብ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ካፒታሎ 38 ቢሊየን ብር ከምዝበፅሐን ንሓደ ፕሮጀክት 9 ቢሊየን ብር ምልቃሕ ዘኽእል ዓቕሚ ምፍጣሩ ተዛሪቦም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

Comments (0)
Add Comment