ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ሳልሳይ ደረጃ ሕክምና ንዝህቡ ትካላት ጥዕና ልቓሕ ክህብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ባንኪ ልምዓት ኢትዮጵያ ልዑል ወፃኢ ዝሓቱን ካብ ወፃኢ ሃገራት ዝወሃቡን ኣገልግሎት ሳልሳይ ደረጃ ሕክምና ኣብ ውሽጢ ሃገር ክህቡ ንዝኽእሉ ትካላት ጥዕና ልቓሕ ምሃብ ክጅምር ኢዩ።

ሳልሳይ ደረጃ (ተርሸሪ ሌቭል) ሆስፒታል ዘበናዊ መሳርሒታ ሓዊሱ ዝተማለአ ኣገልግሎት ንተሓከምቲ ዝህብ እንትኸውን÷ ካብ ካልኣይ ደረጃ ሆስፒታላት ብሪፈር ዝለኣኹ ተሓከምቲ ተቐቢሉ ኣገልግሎት ዝህብ ትካል ጥዕና ኢዩ።

ፕሬዚዳንት እቲ ባንኪ ዮሐንስ ኣያሌው ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ባንኪ ብዙሕ ገንዘብ ዝሓቱን ኣብ ወፃኢ ዝግበሩን ኣገልግሎታት ሕክምና ኣብ ውሽጢ ሃገር ንኅጅመሩ ንምኽኣል፤ ሳልሳይ ደረጃ ሕክምና ንዝህቡ ትካላት ጥዕና ንምሕጋዝ ተሰናዲኡ ይርከብ።

በቲ ዓውዲ ሓገዝ ንምርካብ ሕቶ ዘቕረቡ ኣካላት ከምዘለዉን እቲ ፕሮጀክት ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንምፅዳቕ ከምዘተሓሰበን ንግዜኢ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment